Strict Standards: Declaration of JParameter::loadSetupFile() should be compatible with JRegistry::loadSetupFile() in /home/gashbark/public_html/libraries/joomla/html/parameter.php on line 512
ቃለ መጠየቕ ምስ ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ - Gash Barka infomation Center

Please update your Flash Player to view content.

Hanan Maran

Women are half of society

ibrahim idris 20151204 origenal

dr abdulla juma

Idris Awate

 

the gash-barka camera

 

Editorial

መራሒ ደምበ ተቃውሞ  ምስ “መደበር ዜና ኣልኸሊጅ” ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠየቕ፡

ረቋሒታት ምውዳቅ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ከም ዝተማለኤ ኣረጋጊጹ።

Dr Yosef

ኣዲስ ኣበባ - ካብ ማእከል ዜና ኣልኸሊጅ - ኣሕመድ ሪያድ

ምስ’ቲ ካብ 26 ንላዕሊ ዝኾና ተቃወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ካብ 60 ንላዕሊ ዝዀና በጌሳዊ ማሕበራትን ዝሓቝፈ ባይቶ ዝመርሕ ዝመርሕ ዘሎ ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ ኣሕመዲን ናይ መጀመሪያ ሰፊሕ ቃለ መጠይቅ ብምክያድ ብዛዕባ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተራእየ ምዕባሌታት ዘጉልሕ መብረሂታት ኣብ ልዕሊ ምሃቡ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ናይ ዕልዋ ፈተነ ኣትኩሩ፡ ንስርዓት  ኣስመራ ዝድግፋ ሃገራት ብተሪር ነቂፉ። ከምኡ’ውን ንጸጥታ ናይ’ዚ ዞናን ዓለምን ዝህድድ ዓንከል ኢራንን ኣስመራን ኣመልኪቱ መጠንቀቕታ ኣቕሪቡ። ብተወሳኺ ምስ ሓይሊ ተቃውሞ ዝምድና ዘሎዎም እዋናውያን ዛዕባታትን ዝምድናታተንን ኣልዕሉ ተዛሪቡ።

ጋሻና ዶር. ዩሱፍ ኣብ ኣስመራ ዝተወልደ ፡ ወዱ ሓደ ካብ’ቶም ፍሉጣት መራሕቲ ሃገራዊ ዕዮ ዝኾነ ኣቶ ብርሃኑ ኣሕመዲን እዩ። ከም ዝባሃል ድማ “ንኣቡኡ ዝመሰለ ኣይሓመቀን”።

መባእታውን ዩኒበርሲቲ ደረጃ ትምህርቱን ኣብ ናይ ኢጣሊያ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ሮማ ኣሰላሲሉ።ምስ ብጾቱ ብ1965 ኣብ ምምስራት ናይቲ ቀዳማይ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራዊያን  ተሳቲፉ፣ ብ1966 ድማ፡ኣባል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብምዃን፡  ኣብ 1971 ዝተኻየደ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሳተፈ። ኩሉ ብሕታዊ ናብርኡ ንድሕሪት ገድፉ ድማ ኣብ 1973 ናብ ሜዳ ኣብ ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ኣምረሐ። ብ1975 ድማ ሓደ ካብቶም መስረትቲ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራ ነበረ። ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ. ድማ ከኣ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ኰይኑ ተመረጸ። ዶር. ዩሱፍ ዝተፈላለየ መሪሕነታዊ ሓላፍነታት ተሰክሙ። ካብ’ቲ ቀንዲ ዝተሰከሞም ሓልፍነታት ድማ፡ ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት ክኾውን ከሎ፡ ኣብ’ቲ ብ2011 ኣብ ኣዋሳ ዝተኻየደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኰይኑ ተመረጸ። ዶር. ዩሱፍ ዝተፍለላዩ ቋንቋታት ካብ’ቶም ዝመልኩ ሓደ እዩ። ቋንቋታት ዓረብኛ፡ ትግርኛ፡ትግሬን ኣብ ልዕሊ ምኽኣሉ ቋንቋታት ጣልያንን፡ እንግልዝኛን፡ ፈረንሰኛ፡ እስባኝያን፡ ከምኡ’ውን ቋንቋ ሆላንድን ይዛረብ።

ቀጺልና ኣብ ቀንዲ ትሕዝቶታት ዘረባኡ ንኣቱ፡-

ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ምስ መደበር ዜና “እልኻሊጅ” ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ፡ "እቲ ዝላዓለ ጥርዚ ናይ’ቲ ዝቀረበ ጠለባት ንፕሪስደንት ከይቀተልካ ወይ  ከይኣሰርካ ቅቡል ክኾውን ዝካኣል ኣይነበረን። ይኹን እምበር ዝተፈጸመ ፡ሞራላውን ፖለቲካዊን ዜናዊን ቅትለት እዩ። እዚ ድማ ብደረጃ ሃገር ዓብይ ተረኽቦ ኢዩ ዝቝጸር። እዚ ኣብ ኣስመራ ዝተፈጸመ ምንቅስቃስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ደላይ ለውጢ ምዃኑን፡ ባህርያት ናይ’ዚ ስርዓት’ዚ ኣጸቢቑ ተረድኡዎ ምህላዉን ዘረጋግጽ ሓቂ’ዩ። ነቲ ኣብ ዕስራ ዓመታት ዝመስረቶ ጨቛኒ ጸጥታዊ ትካላት ጥሕስካ ካብ ኣስታት 90 ኪሎ መተር ዝርሕቀቱ ቦታታት ተወንጭፍካ ንመደበር ዜናን መዕረፎ ነፈርቲን ምሓዝ’ኳ ዓቢ ጉዳይ እንተዀነ፡ ስርዓት ንሙውዳቅ  ካልኦት ብዙሓት ረቛሒታት ከም ዝሓትት ርዱእ ኢዩ። ምናልባሽ እውን ክፍጽሙዎ ዝግባእ ዕማማት ብግቡእ ዘይፈጸሙ ኣለዉ ማለት እዩ። ዝኾነ ኰይኑ፡  ምንቅስቃስ 21 ጥሪ ስርዓት ህግድፍ ከምቲ ገሊኡ ዝመስሎ ዝነበረ ብርቱዕን ስጡሙን ዘይኮነስ ብኣንጻሩ ስንኩፍ ምዃኑ ብምብራህ፡ ድኽመታቱ ኣቃሊዑ እዩ ።ምንቅስቃስ 21 ጥሪ ኣይፈሸለን፡ ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ፡ ንናይ መጻኢ ናይ ስርዓት ምግምጣል ተኽእሉ ማዕጾ ዝኸፈተ ኢዩ። ዝበዘሔ ኣካላት ወታሃደራዊ ትካል ኣብ ጎኒ ህዝቢ ጠጠው ኢሉ ምህላዉን፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሃገራውያን መኮንናት ዘበገሱዎ ምንቅስቃስ ብትሪ ደጋፊኡ ምዃኑን ኣፍሊጡ። ናይ ውሽጥን ወጻኢን ጻዕሪታት ተደማምሩ ድማ ነዚ ስርዓት ግድን ከልግሶ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣረጋጊጹ ኢዩ። ብምቕጻል፡ ዶር. ዩሱፍ፡ ውጽኢት ናይዚ ምንቅስቃስ  ዝፈጠሮ ዓብይ ምንቅናቅ ክሳብ ምፍራስ ናይዚ ስርዓት ጠጠው ዘይብል ጉዳይ እዩ ክብል ገሊጹ። እዚ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ፡ እቲ ስርዓት ፈጢርዎ ዝጸንሐ እገዳ ለጊሱ፡ ምስ ወጻኢ ዘራኽብ ዜናዊ መስኮት ኸፊቱ ፡እቲ ኣገዳሲ ፍሬ ናይዚ ፈተነ ድማ ነቲ ኣብ ስቅያት ዝነብር ዝነበረ ወታሃደራዊ ትካልን ህዝብን ከቢቡ ዝነበረ ናይ መንደቕ ፍርሒ ነቒዑ ይርከብ። እዚ ምንቅስቃስ ብቲ ሓደ ሸነኽ፡ ነቲ ዘይድፈር ዝመስል ዝነበረ ኢሳያስ ጸፊዑ ፖለቲካዊ ተነጽሎ ኣስዒቡ፡ በቲ ካልኣይ ሸነኽ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊን ዜናዊን መኽሰባት ኣመዝገበ፣ ብኡ ኣቢሉ ድማ ድምጹ ናብ’ቶም ምስ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ዝደናገጹ ኣሕዋቱን ኣዕሩኽቱን ኣህዛብን ሃገራትን፡ ከምኡ’ውን ቃልሱ ዝድገፉ ሰውራዊ ምንቅስቃሳት ሃገራት ኣዕራብን ንከበጽሕ ዕድላት ረኽቡ" ኣሎ ክብል ገሊጹ።

ዘሎኒ ሓቤረታን ከምኡ’ውን ትዕዝብተይን ኢሳያስ ካብ ከም’ዚ ዝኣምሰለ ምንቅስቃስ ስለ ዝሰግአ ካብ ኤርትራ ብዙሕ ክወጽእ ኣይኮነን። እዚ ስርዓት’ዚ ንርእሲ ከተማ ኣስመራ ሙሉእ ብሙሉእ ንምቁጽጻራ ተሸግሩ ኣሎ ።ካብ ኢዱ ወጻኢ ዝኾነ ሰፈሕ ቦታታት እውን ኣሎ" ክብል ድማ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ብዛዕባ ምርኻብ ፕሪሲደንት ዑመር ኣልባሺር ምስ ኢሳያስ ዘሕዝን እዩ እሉ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ኣሎኹ መበሊ ክኾኖ ፕሪሲደንት ዑመር ኣልባሺር ኣብ ጎኑ ንክረኤ ተጠቂሙሉ በለ።ኣብዚ ናይ ምብጻሕ እዋን ዝተገብረ ጸጥታዊ ኣገባብ ኣቀባብላ ብዝምልከት ድማ እቲ ዝተገልጸ ልሕሉሕ ኩነታት ናይ ስርዓት ህግድፍ ዘረጋግጽ ኢዩ’ውን በለ። ሱዳን ምስ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ጠጠው ዝበለ ሃገር ምዃኑ ታሪኽ ዝምስክሮ ኮይኑ፡ ሎሚ ፕሪሲደንት ናይ ሱዳን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ናብ ፕሪሲደንት ናይ ኤርትራ ዝዛዘወ ኮይኑ ምርኣይና ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ። ስለ’ዚ ድማ፡ መንግስቲ ሱዳን ንጉዳይ ዝምድናኣ ምስ ስርዓት እስያስ ዳግመ ርእይቶ ክትገብረሉ ነማሕጽን። እዚ ምንጪ ሽግራት ናይ ሱዳን ዝኾነ ስርዓት ኤርትራ ሎሚ ብግምጥልሽ ብከም’ዚ ዝኣመሰለ ናይ ምሕዝነት ምብጻሕ ህያብ ክግበረሉ ምርኣይና ብኩሉ መዐቀኒታት ዘገርም ኮይኑ ምስ’ቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዘሎ ዝምድናታት ዝዛመድ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ታሪኻዊ ዝምድናታት ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ናይ ግድን ነባሪ እዩ" ክብል ኣረጋገጸ።

ቀጺሉ ዶር. ዩሱፍ " ናይ ክልቲኡ ሃገራት ዝምድና እስቲራቲጂካዊ ስለ ዝኾነ፡ ሱዳን ክሳብ ዕለተ ናጽነት ንኤርትራ ኣድማዒ ደገፍ ኣወፊዩ እዩ ።  ሎሚ ድማ መንግስቲ ሱዳን ፡ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምልካዊ ጨቋኒ ስርዓት ንምንጋፍ ይቃለስ ከም ዘሎ ክፈልጥ ስለ ዝግባእ ፡ንፕሪሲደንት ዑመር ኣልባሺር ከመሓላልፎ ዝደሊ፡ ስርዓት ኤርትራ ሓላፋይ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ግን ተራፋይ ስለ ዝኾነ  ኣብ ጎኑ ጠጠው ክብል መጸዋኦታ የቅርበሉ" በለ።

ዝምድና ተቃወምቲ ሓይልታት ምስ ጎረባበቲ ሃገራት ብዝምልከት ድማ " መብዛሕትኤን ጎሮባብቲ ሃገራት ንስርዓት ዝድግፍ መርገጻት ወሲደን ገሊኤን ድማ ተዓዘብቲ ክኾና ከሎዋ ፡ ውሑዳት ሃገራት ፍጹም ዘይግደሳ እየን ኢሉ። ስውራ ኤርትራ ዝምድናታት ምስ ናይ ከባቢ ሃገራት ብፍላይ ድማ ምስ ሃገራት ኣዕራብ ነይርዋ ይኹን እምበር ድሕሪ ናጽነት ብዘይ ኣማራጽ እዘን መንግስታት ምስቲ ዝተዓወተ ውድብ ጠጠው ኢለን። እዚ ዝምድና ግን ቀስ ብቀስ እናጸበበ ብምኻድ፡ ድሕሪ ቁሩብ እዋን ድማ  ኣብ ኣስመራ ዝተተከለ ስርዓት ምስ ኩሎም ጎረባበቲ ሃገራት ብብረት ክራዳዳእ ተራእየ። ካብ’ዘን ጎረባብቲ ሃገራት ድማ ኣብ ቀረባ ትሃሉ ርሑቅ፡ ካብ’ቲ በዚ ስርዓት’ዚ ዝተበገሰ ጎናዊ ውግኣት ዝዳሓነት ሃገር የላን። ምስ የመን ፡ ጀቡቲ፡ሱዳን። ካብ’ዚኤን ሓሊፉ ድማ ምስ ምስሪ ፡ ንቀይሕ ባሕሪ ሰንጥቁ ድማ ናብ ሱዑዲ ዓረብ ሰጊሩ ኣብ ዝምድና ኤርትራን ጎረባብቲ ሃገራት ዓረብን ነቃዓት ፈጠረ። እዘን ሃገራት ድማ ኩለን ክሳብ  ናጽነት ኤርትራ ዝረጋገጽ ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝደገፋ እየን" ኢሉ ። ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ፡ ሕጂ እውን ሃገራት ኣዕራብ ብፍላይ ድማ ሃገራት ኸሊጅ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ክናገፍ ኣብ ጎኑ ጠጠው ክብላ ጸዊዑ። ምኽንያቱ ቅሳነት ሃገራት ኣዕራብ፡ ኣብ ኤርትራ ቅሳነት እንተዘይተፈጢሩ ዝመልእ ኣይኮነን ኢሉ ፡እቲ ኢሳያስ ምስ ኢራን ዝገብሮ ዘሎ ሻርነት ድማ ነዚ ዝህድድ እዩ ክብል ኣሚቱ።

ዶር. ዩሱፍ ቀጺሉ ተቃወሞ ኤርትራ መሳረሒ ናይ እትዮጵያ ይኹን ካልኦት ኣይኮነን ኢሉ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝምድና ድማ ኣብ ሓባራዊ ጠቅምታት ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣመነትን እትድግፍ ሃገርን እያ። ስለ’ዚ ዝምድናና ምስ ኢትዮጵያ ይኹን ካልኦት ኣብ ፖለቲካዊ ውዲታት ዝተሞርኮሰ ኣይኮነን ኢሉ። እዚ ስርዓት’ዚ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ክተኣሳስር ዝኽእል ናይ ዝምድናታት ፈትልታት ስለ ዝበታተኸ ንተቃወምቲ ኤርትራ ጠቃሚ ነገር ወፊዩ እዩ ተቃወምቲ ኤርትራ ግን ብግቡእ ኣይተጠቀሙሉን፡ ስርዓት ህግድፍ ድማ ንድኽመታቶም ስለ ዝመዝመዞ ሃሰያታት ኣስዒቡ ኢዩ። ሕጂ ግን ድሕሪ ነዊሕ እዋን ንመብዛሕትኦም ተቃወምቲ ኤርትራ ዝጥርንፍ ጽላል ቆይሙ ስለ ዘሎ ንዝተረፉ ንምጥርናፍ ብፍላይ ኣብ ሃገርና ሓድሽ ተረኽቦ ምስ ተራኣየ ምትእስሳራት ኣብ ሞንጎ ውሽጥን ግዳምን ይብርትዕ ብምህላዉ ጻዕርታት ይካየድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ንንጥፈታት ሃገራዊ ባይቶ ብዝምልከት ድማ፡ ባይቶ ገለ ንጥፈታት ኣካይዱ ኢዩ ብምባል፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ካብ ናይ ዜና ማዕከናት ሪሒቅና፡ ሃገራዊ ዕላማታት ዘማልእ ንጥፈታት ነካይድ ምህላውና ጥራሕ ክፍለጥ ንመሪጽ ክብል ዶር. ዩሱፍ ገሊጹ።  

ዝምድና ኢራንን ኤርትራን ብዝምልከት፡ ዶር. ዩሱፍ ንዜናዊ ማእከል ኣልኸሊጅ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤርትራ ምስ ኢራን ብዝተፈላለየ ስምምዓት ከም ትተኣሳሰር ኣፍልጡ፣ ኢራን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ፊት ንፊት ናይ የመንን ሱዑዲያን ኣብ ዘሎዋ ደሴታት ኤርትራ ወታሃደራዊ መደበራት ስለ ዘሎዋ፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ብኢራን ዝካየድ ፖሊሲ ቀንዲ ኣሳላጢት ኰይና ትረከብ ክብል ገሊጹ።

እታ ንመጀመሪያ ግዜ፡ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ምንቅስቃስ ተስደርዒሙ ዝብል ወረ ዘውረየት ኢራን ኮይና፡ ምስ ናይ ኤርትራ ሓለፍቲ ዝተፈላለየ ርኽክባት ከም ዘካየደት ገሊጹ። ፕረሲደንት ኣሕማዲ ናጃድን ዑመር ኣልባሺርን ድማ ብዕለት 22 ጥሪ ሃለዋት ስርዓት ኢስያስ ንክፈልጡ ብስልኪ ተራኽቦምዎ ክብል ዶር. ዩሱፍ ኣብሪሁ። ኢራን ንዕጡቃት ሓይልታት ሶማልን ነቶም ኣብ የመን ዝርከቡ ሑስዩን ዝባሃሉ ዑጡቓት ተቓወምትን፡ ብረት ንምትሕልላፍ ምስ ኤርትራ ምትእስሳር ከም ዝገበረት ድማ ኣረጋጊጹ።

ኢራን ካብ’ቲ ወሪዱዋ ዘሎ ተነጽሎን ማዕቀብን ንሙውጻእ ገለ ካብ’ቲ ወታሃደራዊ መደባታ ንኤርትራ ክተግዕዞ ትፊትን ኣላ ኢሉ፡ እዘን ናይ ወታሃደራዊ መሳሪያታት ኣብያተ ዕዮ ንመብዛሕትኡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ምፍልላያትን ቃልስታትን ዘጓሃህር ምዃኑ ኣሚቱ። እቲ ኣንጻር ጸጥታ ኸሊጅ ብፍላይ፡ ጸጥታ ሃገራት ኣዕራብ ድማ ብሓፈሻ ዝቀንዕ ሓደጋታት ካብ ኤርትራ ዝብገስ ንከይከውን ዶር. ዩሱፍ ኣጠንቂቁ። ሃገራት ኣዕራብ፡ ስርዓት ህግድፍ ብደረጃ ኣፍሪካ እቲ ዝኸፈኤ ስርዓት ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ፈሽሉ እቲ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ ድማ መንጸብረቅታ ናይ ውሽጢ ስሌ ዝኾነ ኣብዚ እዋን ተነጽሉ ምስ ናይ ዓለም ሕብረተሰብ ኣብ ምትፍናን ዘሎ ስርዓት ኮይኑ ብውድብ ኢጋድን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ሕቡራት መንግስታትን ተነፊጉ ዘሎ ስርዓት ምዃኑ ዝፈልጥዎ ብምዃኖም፡ ውድብ ምትእስሳር ሃገራት ኣዕራብ እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክትወስድ ምተገበኤ ክብል ገሊጹ። ነቲ ፋቱራታቱ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፍሎ፡ ስርዓት ኢሳያስ ዝኣልሞ ንጸጥታን ቅሳነትን ብዘፍርስ መደባት፡ኤርትራ መዐንደሪ ጸረ ጎሮባብቲ ዝኾኑ ተቃወምቲ ኮይና ብምህላዋ፡ ኣብዚ ዞና ሓደጋ ዝነዝሕ ዓንከላዊ ሻርነታት ዘምጸኦ ሓደጋታት ኣመልክቱ ድማ ብትሪ ኣጠንቂቑ።

 ናብቲ ወካሊ ስርዓት ኣብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ግርማ ኣስመሮም ዝሃቦ መግለጺ ኣመልኪቱ ድማ እቲ መግለጺ ዘይሓላፍነታዊ ምዃኑን በቲ ካብ የማነ ገብረኣብ ዝረኸቦ ሓበሬታ ንኣፍሪቃውያን መራሕቲን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዲብሎማስያዊ  ልኡኻትን ከደናግር ዝገበሮ ከንቱ ፈተነ ኢዩ ክብል ገሊጹ። ድሕሪ ምዝዛም መበል 20 ዙሪያ ኣኼባ ሓድነት ኣፍሪቃ ምስ’ቶም ምዕራባዊያን ዲብሎማስያዊ ኣካላት ኣብ ዝገበሮ ርክባት ድማ ናይ ግርማ ኣስመሮም መግለጺ ኣብ ክሊ ናይ ሓድነት ኣፍሪቃ ዝተሓጽረ ሙዃኑ ክፈሊጥ ክኢለ ክብል ኣብሪሁ። ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኤርትራ ዝኾነ ሓቤረታ ዘይብሉ ባእታ ምዃኑን ኣንጻር መራሕቲ ናይ’ቲ  ብ21 ጥሪ ዝተኻየደ ምንቅስቃስ ዝሃቦ መግለጺታቱ ዲፕሎማስያዊ ገጽ ናይ’ዚ ስርዓት ዘመልክት ኣጸያፊን ኣናዋርን ነይሩ በለ። ብተወሳኺ ፈጺሙ ሃገራዊ ኤርትራዊ  ኮይኑ ዘይፈልጥ ግርማ ኣስመሮም ኣብ ከም’ዚ ዝኣምሰለ ኣኼባታት ጥራሕ ዝካፈል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሽራቶን ሆተል ዘራጥጥ ብሕታዊ ኢምባሲ ናይ ኢሳያስ ስለ ዝኾነ ፡ንዑኡ ዝመስል ክፉእ ቃላት ክወጾ ዘገርም ኣይኮነን ኢሉ።

ብካልእ ወገን ዶር. ዩሱፍ ንመርገጻት ምዕራባዊያን ሃገራትን ንገለ ኣፍሪቃውያን ሃገራትን ቅድሚ ኹሉ ድማ ነታ ብድልየት ህዝቢ ኤርትራን ተቃወምታን እትግደስ ኢትዮጵያ ጠቂሱ ኣመጕሱ። ዝምድናታት ኤርትራን ጎረባብታን ድማ ኣብ ባህሪያዊ ቦታኡ ዝምለስ፡ ስርዓት ኤርትራ ምስ ዘልግስ እዩ ብምባል፡ እቲ ንሱ ዝፈጠሮ ሽግራት ድማ ምስ ምልጋሱ ክጠፍእ ኢዩ ክብል ኣረጋጊጹ። ህላዊ ናይ’ዚ ስርዓት ድማ ንልዑላውነት ኤርትራ ንሓደጋ ዘሳጥሕ ብምዃኑ ብሰንኪ ሰራም ፖሊስኡ ብዘይካ ምስ ሱዳንን ኢራንን ምስ ኣመሪካ ይኹን ምዕራባዊያን ብሓፈሻ ተጻራሪ ዝምድና ስለ ዘሎዎ ንወጻኢ ምትእትታዋት ኣፍደገታት ዝኸፍት እዩ ክብል ኣብሪሁ። ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ዲፕሎማስያዊ ኣካላት ብኣጻብዕ ዝቁጸራ ኣየን፡ካብ ኢምባስታቱ ካብ ትሻዓተ ንላዕሊን፡ ሰለተ ሚኒስትራትን ማለት ናይ ምክልኻልን ናይ መንእሰያትን ኣብ መወዳእታ ሃዲሙ ኣብ ኣዉስትራሊያ ዑቅባ ሓቲቱ ዘሎ ሚኒቲሪ ዜናን ንስርዓት ራሕሪሖሞ ሃዲሞም ክብል ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ሓቢሩ።

ኣብ መደምደምታ ዘረባኡ፡ ዶር. ዩሱፍ  ኩሎም  ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝርከቡ ተቃወምቲ ሓይልታት ኣብ ደረጃ ናይ’ቲ ታሪኻዊ ሓላፍነት ክብ ብምባል፡ ንድልየታት ህዝቢ ኤርትራ ንምስማርን ውድቀት ህልዊ ስርዓት ንምቅልጣፍን ንሃገር ዘድሕን መደብ ክኽተሉ መጸዋዕታኡ ኣመሓላልፉ። ኣተሓሳሰባና ሃገራዊ ኣተሓሳሰባ እዩ፡ እቲ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ይኹን ምስ ወጻኢ ዓለም ዘተኣኣሳስረና ፖለቲካዊ ዝምድናታት ድማ ኣብኡ ዝተመስረተ፡ ነቅ ዘይንብለሉ ቀዋሚ መንቀሊታትና እዩ በለ።

ቀጽሉ ዶር. ዩሱፍ፡ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ጐድኒ ህዝቦም ጠጠው ክብሉ ጸዊዑ፡ ነብ’ቶም ንዓንድታት ስርዓት እስያስ ዝነቅነቁ ኩሎም ኣባላት ምንቅስቃስ 21 ጥሪ ድማ ሰላምታ ይብጻሓዮም ብምባል ኩሎም ኤርትራዊያን ንደገፎም ክላዓሉን ክተሓባበሩን ደጊሙ ጸዊዑ። ዝተፈላለዩ ኣካላት ተቃውሞ ኩሉ ስራሓቶም እንተዘይተጠርኒፉ ዓወት ስለ ዘይምዝገብ ምስ’ዚ ታሪኻዊ መድረኽ’ዚ ተዋሃሂዶም ኩሉ ዓቅምታቶም፡ፖለቲካዊ ስራሕ ይኹን ዲፕሎማስያዊ ወይ ድማ ዜናዊ ስራሓት ክጥርንፉ ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ። እቲ ንገሊኦም ኣካላት ኣብ ዝሓለፈ ሃገራዊ ጉባኤታት ንከይመጹ ዝገበረ ፍልልያት ድማ ክረኤ ዝካኣል ነገር ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ኣብ መጻኢ ጉባኤ ክካፈሉ ጸውዒቱ ኣቕሪቡ። ነዚ ኩሎም ካብ ወጻኢ ይኹን ካብ ውሽጢ ዝመጹ ዝተፈላለዩ ኣካላት ህዝብና፡ ዝካፈሉዎ ኩሉ ሃገራዊ ሓይልታት ኣብ ሓደ ቦታ ዝእክብ ወርቃዊ ዕድል ሃየ ከይሓልፈና ብምባል ድማ ዘረባኡ ደምድሙ።

**********************

masarat 20150520

Itlalat Dr Jalal

abu usama almuallim

mahmoud barh origenal

mahmod taher

Fathi Osman 1

mahmod osman elos 300

ibrahim dini

Historical memory1

Screaming

Martyrdom of Dr