Strict Standards: Declaration of JParameter::loadSetupFile() should be compatible with JRegistry::loadSetupFile() in /home/gashbark/public_html/libraries/joomla/html/parameter.php on line 512
Forto The Hope - Gash Barka infomation Center

Please update your Flash Player to view content.

Hanan Maran

Women are half of society

ibrahim idris 20151204 origenal

dr abdulla juma

Idris Awate

 

the gash-barka camera

 

Editorial

foto the hope

 ፎርቶ ኣቃሊሓ ትርግታ

ፎርቶ ሰንጢቓ ከውታ

      ተርቢዓ ስቕታ

    ኣቃሊሓ ትርግታ

 

እወ ዝደስከለ ሃዋሁ ነቕኒቓ

 

ዘይድፈር ዝመስል ጎቦ ኣሕቂቓ

 

ጸሓይ ክብሪ ዳግም በሪቓ

 

***********

 

ብስራት ተስፋ ዓለም ዘናወጸ

 

ገባር እከይ ጀጃው ዘርሃጸ

 

ትርግታ ህዝቢ ደጊም ነይቁጸ

 

***********

 

ድሕሪ ፎርቶ ኣይ ከምቅድሚኡን

 

ዓማጺና ደጊም ቀሲኑ ኣይሓድርን

 

ባህግታትና ክትግበርዩ ክዓስል’ዩ ብርሃን

 

***********

 

ፎርቶ፡ መሰል ንምንዳይ’ዩ ታሓኽዊሩ

 

ሕጊ ንምንጋስ ስርዓተ ግህሰት ቀቢሩ

 

ፈላሚ ኣዋጅ እምቢታ፡ ኣብኡ ተዘሚሩ

 

***********

 

ፎርቶ ሰንጢቓ ከውታ

 

      ተርቢዓ ስቕታ

 

         ኣቃሊሓ ትርግታ

 

***********

 

ወዲ ዓሊን ብጾቱን ጅግንነት ሰሪሖም

 

ስነ ኣእምራዊ ዕርድታት ጸላኢ ኣፍሪሶም

 

ክብሪ መለሱልና ጎደና ሓርነት ከፊቶም

 

***********

 

መንኮርኮር ለውጢ ንድሕሪት ነይምለስ

 

ባህግታትና ከማልእ ልብና ከረስርስ

 

ግህሰት፡ ግፍዒ፡ ንሓዋሩ ክድምሰስ

 

***********

 

ያኣክል በለት ፎርቶ ንግህሰት መሰልና

 

ንጅቦኦም ዘህጠሩ ብሸቐጥ ስጋና

 

ሓሳረ መከራ ከብቅዕ ክምለስ ክብርና

 

***********

 

ፎርቶ ሰንጢቓ ከውታ

 

      ተርቢዓ ስቕታ

 

         ኣቃሊሓ ትርግታ

 

***********

 

ኣታኽልቲ ብዘይ እዋነን ዓምበባ

 

ኣዕዋፍ ተፈሲሀን እንዳዘመራ ክዓልባ

 

ሰቲ ክንስነስ፡ ሓሊፉ ጸበባ

 

***********

 

ድሕሪ ፎርቶ ፍናን ሰማይ ክማጣጠር

 

ኣራእስ ቀኒዐን ኣፍልቢ ክግተር

 

ለካስ ሰብ ኣለዋ እባ እዛ ሃገር(2 ግዜ)

 

***********

 

ብ ዓብደላ ሙሓመድ-ዓሊ ዓብደላ

masarat 20150520

Itlalat Dr Jalal

abu usama almuallim

mahmoud barh origenal

mahmod taher

Fathi Osman 1

mahmod osman elos 300

ibrahim dini

Historical memory1

Screaming

Martyrdom of Dr