Strict Standards: Declaration of JParameter::loadSetupFile() should be compatible with JRegistry::loadSetupFile() in /home/gashbark/public_html/libraries/joomla/html/parameter.php on line 512
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ - Gash Barka infomation Center

Please update your Flash Player to view content.

Hanan Maran

Women are half of society

ibrahim idris 20151204 origenal

dr abdulla juma

Idris Awate

 

the gash-barka camera

 

Editorial

መግለጺ ሓዘን

Eritrean Unity for Democratic Change

ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ብስም መላእ መሪሕነቱን መሰረታቱን ብ26 መጋቢት 2014 ብዝጋጠመ ሃንደበታዊ መስዋእቲ ተጋ/ኣሕመድ መሓመድ ናስር ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን የገልጽ።

ስውእ ተጋ/ኣሕመድ መሓመድ ናስር ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ምእንቲ ነጻነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ተሓኤ ተሰሊፉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ኮይኑ ዝተጋደለ፡ ዘጋደለን ዝመርሐን ልሉይ ሃገራዊ ባእታ’ዩ ነይሩ።

ብድሕሪ ነጻነት’ውን እንተኾነ ህግደፍ ንኩሉ’ቲ ዕላማታት ሰውራ ጨውዩ ገባትን ዲክታቶያውን ስርዓት ምስ ሃነጸ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘብጽሕ ዘሎ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኣደራዕ፡ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታት፡ ግህሰታት፡ ነጺጉ ደኺመ ከይበለ ውሕስነት መሰልን ማዕርነትን ኩሎም  ዜጋታት ተረጋግጽ ደሞክራስያዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብዘይዝኾነ ተጉላባነት እናተቃለሰ’ዩ ካብዚ ዓለም ብሃንደበታዊ መስዋእቲ ተፈልዩ ዘሎ። መስዋእቲ ተጋ/ ኣሕመድ መሓመድ ናስር፡ ንቤተ-ሰቡን ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዓቢ ክሳራ’ዩ።

ስውእ ተጋ/ ኣሕመድ መሓመድ ናስር፡ ምሉእ ዕድሚኡን ንእስነቱን ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ተቓሊሱ ከብቕዕ፡ ብስንኪ’ቲ ኣግላሊ ዝኾነ ፖሊስታት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ሓንቲ መዓልቲ ኣየር ዓዱ ከየስተንፈሰ ካብዚ ዓለም ብመስዋእቲ ምፍላዩ፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ ኣብ ገዛእ ሃገሩ፡ ብኩሎም ቤተ ሰቡ፡ መቓልስቱን ፈተውቱን ብክብሪ ተሰንዩ ንቡር ስነ-ስርዓት ቀብሪ ብምስኣኑ፡ ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ደጊሙ ዝስምዖ መሪር ጓሂ ይገልጽ።

ተጋ/ኣሕመድ መሓመድ ናስር መንግስተ ሰማይ ክወርስ፡ ኩሎም ቤተ-ሰቡ፡ መቓልስቱን ፈተውቱን

ድማ ጽንዓት ክረኽቡ ድማ ይምነ።

ፈጻሚ ኣካል

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

27 መጋቢት 2014

masarat 20150520

Itlalat Dr Jalal

abu usama almuallim

mahmoud barh origenal

mahmod taher

Fathi Osman 1

mahmod osman elos 300

ibrahim dini

Historical memory1

Screaming

Martyrdom of Dr